abraham afewerki – abela lyrics
ወሲድክያ ወሲድክያ ‘ስኺ
ስደድያ ወሲድክያ ስኺ
ግዳ ኣይትጥለምኒ: ሓንሳብ ቃል ኣቲኺ
ሓንቲ ኢያ ልበይ: ወሲድክያ ‘ስኺ
ከመይ ከም ዘላ ኽሓትት: ተሸጊራ ኸይትህሉ
‘ታይ ከም ትደሊ ኽፈልጥ: ዝጎደላ ኸይህሉ
‘ታይ ከም ትብለኒ ኽሰምዕ: ጸምይዋ ኸይህሉ
ዕድል እንተ ሂባትኒ: ፍቕርና ነጠጥዓሉ
ዝባን ፍቕሪ ነቕልለሉ
ኣቤላ… ኣቤላ
ቤላ…
ኣቤላ ኣቤላ ኣቤላ ኣቤላ ቤላ ቤላ
ኣበይ… ኣቤላ
ቤላይ… ኣቤላ
ኣበይ… ከሜላ
ኣበይ… ኣቤላ
ቤላ
ብጥዑም ዕላላ ሩሕ ልበይ ወሲዳ
ዘይሃስስ ምስላ ሰሪጻትለይ ከይዳ
ተናፋቒት ፍጥረት ሕማቕ’ዩ ልማዳ
ከመይ… ከሜላ.ላ.ላ
ሃ… ላላ ላላላ
ዕድላ ኽትቅይር ኣርሒቓ ምስ ከደት
ነዋሕ ደብዳቤኣ ትርፊ ናይ ናፍቖት
ጽምዋ’ያ ትብል ዝኸፍአት ድኽነት
ኣበይ … ላላ ላላላ
ከመይ … ላላ ላላላ
ቤላ
ከመይ ከም ዘላ ኽሓትት: ተሸጊራ ኸይትህሉ
‘ታይ ከም ትደሊ ኽፈልጥ: ዝጎደላ ኸይህሉ
ጸምይዋ ኸይህሉ
ኣቤላ …ይ ከሜላ
ከሜላ…
ቤላ ቤላ ቤላ ቤላ ቤላ ኣቤላ
ከመይ… ከሜላ
ኣቤላ… ይ ኣቤላ
ኣበይ… ኣቤላ
ከመይ… ከሜላ
ፍቕረይ ኣይወዳእኩን ኣነ ኣይቀበጽክዋን
ይመጽእ ይኸውን ንራኸበሉ እዋን
ጠሚትካ ኣይትጽገብ ኤሪትራዊት ሄዋን
ከመይ… ከሜላ.ላ.ላ
ሃ… ላላ ላላላ
ብባሕሪ ሰጊራ ኤውሮጳ ወይ ኣብ ጅዳ
ዶ? ውቅያኖስ ሰጊራ ኣሜሪካ ወይ ካናዳ
ሱዳን: ኣዲስ+ኣበባ: ወይ ኣብ ኣስመራ ጻዕዳ
Random Lyrics
- la konso’ – outro lyrics
- joel ansett – already lyrics
- agustín lara – clavel sevillano lyrics
- nicholas dante – exile lyrics
- lil rjo – kalmadı zamanım lyrics
- ryan hall – still lyrics
- iussi – antivice modelky lyrics
- selfmxdebless – fast.roads lyrics
- ava august – beauty queen lyrics
- new here – godless, lawless & non-monogamous lyrics